
lisantewahdo.org
The Official Website of Eritrean Orthodox Tewahdo Church - ቀዳሚ ገጽእቶም ሕጂ መከራ መስቀሉ እናዘከሩ ዝኃዝኑ ኺሕጐሱ እዮም. Published: Monday, 02 April 2018 10:35. በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! Ldquo;እቶም ሕጂ መከራ መስቀሉ እናዘከሩ ዝኃዝኑ ኺሕጐሱ እዮም”. ስለዚ ነቲ ዝተቐበሎ መከራን ኣባና ዘለዎ ፍቕርን እናዘከርና ክንኃዝን ይግባእ “ስለምንታይ መከራ መስቀል ተቐበልካልና ” እናበልና ዘይኮነስ “ንዓና ኽትብል መከራ መስቀል ተቐበልካ ካብ ኃጢኣትን ሞትን ኣውፂእካኒ ከሎኻ ኣነ ግና ገና ኣብ ኃጢኣት ኣሎኹ እሞ ይቕረ በለለይ” ብምባል እዩ. ፍቁረ እግዚእ ሓዋርያ ዮሓንስ ንልዕሊ ሰብዓ ዓመት ነቲ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ዝበጽሖ መከራ እናዘከረ ይኃዝን ነበረ ከምኡ’ውን ኣቡነ መበዓጽዮን ብፍላይ ብዕለተ ዓርብ መከራ ጐይታ እናዘከረ ይበክን ንሰብነቱ ይገርፍን ከም ዝነበረ ኣብ መጽሐፈ ገደሉ ተዘጊቡ ኣሎ. በስመ አብ ወወል...
http://www.lisantewahdo.org/